ዝ.ፓ.ል.ኢ

መበገሲ ሓበሬታ

፤ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ፤ ዞባ ምዕራብ ፤ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ቦታ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ኮርፖረሽን ልምዓት ፓርክ ኢንዳስትሪ ትግራይ ዝመሓደር ትካል’ዩ (ኮ.ል.ፓ.ኢ.ት)፡፡


ባዕኸር ዝፓአኢ ኣብ ትህቲኡ ግልጋሎት ማይ፤ኣቅርቦት መሰረተ ልምዓት ኤለክትሪስቲ፤ፋኛቱራ፤ ውሽጣውሽጢ መንገዲታት፤መኽዘንን ዝሓዘ እንትኸውን ካብዙይ ብተወሳኺውን መሳርሕታት ቁፅፅር፤ ምርግጋፅ ፅርየትን ናይ ስልጠና ድጋፋት ንምሃብ ዘኽእሉ መሳርሕታት ዝሓቆፈ’ዩ፡፡ ካብቲ ዋና ናይ ፕሮሰሲንግ ቦታ ወፃእ ድማ መንበሪ ቦታ፤ቤ/ትምህርቲ፤ቤተ__እምነትን ናይ ንግዲ ቦታታትን ዝሓዘ እንትኸውን ካብዙይ ብተወሳኺ ድማ ካብቲ ጠቅላላ ስፍሓት መሬት ከባቢ 15% ዝኸውን ቦታ ንሓምለዋይ ልምዓትን መጠባበቒ ክፍቲ ቦታን ዝሓቐፈ’ዩ፡፡


ኣብ ባዕኸር ዝ.ፓ.አ.ኢ ኣብ 100 ኪ/ሜ ሬድያስ 7 ማእኸል ልምዓት ገፀር (ማ.ል.ገ) ዘለዋ እንትኾና እዚኣንውን ማይካድራ፤ሰቲት ሑመራ፤ ዓዲጎሹ፤ ኣዲሕርዲ፤ ማይጋባ፤ ዳንሻን ሽረ እንዳስላሰን እየን፡፡ እዘን ማእኸላት ብመንግስቲ ኢትዮጺያ ናይ ገፀር ልምዓት ንምስላጥ ጥራሕ ዝተጣየሻ ናይ ገፀር ማእከላት ዘይኮናስ ናይ ባዕኸር ዝ.ፓ.አ.ኢ ብኣንፃር ቀረብ ጥረ ኣቁሑት ንምትእስሳርውን ዓሊመን ዝተጣየሻ’የን፡፡ በዚ መሰረት ኣብዘን ናይ ገፀር ማእኸላት ካብዝወሃቡ ግልጋሎታት ውሽጢ ዝፈረዩ ናይ ከባቢ ምህርትታት ምእካብ፤ ምህርቲ ምፅራይ፤ምዕቃብን ቅድሚ ናብ ካሊእ ምጉዕዓዙ ውሱን ናይ ፕሮሰሲንግ ንጥፈታት ዝስርሐለን ማእኸላት’የን፡፡ ካብዙይ ብተወሳኺ ንመብዛሕቶም ናይቲ ከባቢ ገባራት ድማ ናይ ሕርሻ ሰንሰለት ምህርቲ መሰረት ዝገበረ ማእኸል ዕዳጋን መራኸብን ኮይነን ዘገልግላ እየን፡፡

ሓበሬታታት
UNIDO-AICS Cooperation

Operationalization and Sustainability of IAIPs in Ethiopia (OS-IAIP) Project Factsheet

ዜና
ክስተታት
There are currently no events.